ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ኣብ ዓመተ- ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ንጥፈታት ኣብ ዞባታት ገምጊሙ 2022 ኣብ ዞባታት ዝተሰላሰለ ናይ መሓውራቱ መደባት – ብ11 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ገምጋም ኣካዪዱሉ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት፣ ዳህሳስን ዕቃበን ባህላዊ ውርሻታት፣ ዕቃበ ቅርሲታት፡ ጥንታዊ ህንጻታትን ታሪኻዊ ቦታታትን፣ ምምዕራግ ሃገራውያን በዓላትን ምብርባር ባህላዊ መደባትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ምውዳብ ስፖርታውን ባህላውን ስልጠናታትን ሰፋሕቲ መደባት ከም እተተግበሩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ውሱንነት ባጀት፣ ሕጽረት ትሕተ-ቅርጽን ናውቲን ስፖርት፣ ከምኡ’ውን ዘይምዕሩይ ሱታፌ ዞባታት ኣብ ዝውደብ ሃገራዊ ባህላውን ስፖርታውን መደባት – ጐሊሖም ካብ ዝተራእዩ ጸገማት ምንባሮም ተጠቒሱ። ተሳተፍቲ፡ ንጥፈታት ባህልን ስፖርትን ከም ኣካል ሃገራዊ መደባት ልምዓት መጠን – እቲ ዝስላዓሉ ባጀት ክዓቢ፣ ታሪኻዊ ቅርሲታት ዝርከቦ ቦታታት ክኽለል. . . ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣሕሊፎም።
ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ሕጽረታት ንምፍዋስን ትግባረ መደባት ንምርግጋጽን ብዕቱብ ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።
Contribution by MOI.
Leave a Reply