ውድድር መንእሰያት ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣኽርያ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክሊ ዕድመ ብምዕዋት ትመርሕ ኣላ። ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት፡ ትሕቲ 20 ዓመት ጋንታ ኣኽርያ ኣንጻር ሰምበል እያ ተፋሊማ። እዚ ጸወታ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ብመሪሕነት ሰምበል 1ብ0 ንዕረፍቲ ኣምሪሑ። ይዅን እምበር፡ ኣብ ካልኣይ እብረ፡ ኣኽርያ እተመዓራርያ ሸቶ ኣብ መበል 54 ደቒቕ ኣቚጸረት። ሰምበል ብወገና፡ ደጊማ መሪሕነት እተትሕዛ ሸቶ ኣብ መበል 56 ደቒቕ ኣመዝጊባ። ሕጂ’ውን፡ ኣኽርያ፡ ሓያል ተወዳዳርነት ብምርኣይ ኣብ መበል 84ን 87ን ደቓይቕ ሸቶታት ብምምዝጋብ 3ብ2 ተዓዊታ።

ኣቐዲመን፡ እዘን ምምሕዳራት ብክሊ ዕድመ 17 ኣብ ዝተፋለማሉ፡ ኣኽርያ ኣብ መበል 90 ደቒቕ ሸቶ ብምርካባ 1ብ0 ተዓዊታ። ኣብ ናይ ትሕቲ 15 ዓመት ከኣ፡ መጋጥምቲ ኣኽርያ ኣብ ሜዳ ብዘይ ምርካባ፡ ኣኽርያ ብፎርፋይት ተዓዊታ። ኣብ ካምቦ ቺቸሮ ኣብ ናይ ትሕቲ 13 ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም’ውን፡ ኣኽርያ ንመጋጥምታ ሰምበል 1ብ0 ኣፋንያታ። ዕዳጋ ሓሙስን ቲራቮሎን ኣብ ናይ ትሕቲ 13 ዓመት ኣብ ዘካየዳኦ ጸወታ ከኣ፡ ዕዳጋ ሓሙስ 5ብ2 ክትዕወት እንከላ፡ ናይ ትሕቲ 15 ዓመት ኣባሻውል ንጎዳይፍ 1ብ0 ስዒራታ። ኣብ’ዚ ውድድር ኣኽርያ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታታት ብምዕዋታ፡ ብኣርባዕተ ክሊ ዕድመ ትመርሓ ኣላ። እዚ ውድድር፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ናይ ትሕቲ 13 ዓመት ኣባሻውል ኣንጻር ጎዳይፍ፡ ማእከል ከተማ ኣንጻር ሰረጀቓ፡ ክጻወታ እንከለዋ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 15 ዓመት ከኣ፡ ማእከል ከተማ ኣንጻር ሰረጀቓ ክፋለማ እየን። ኣብ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ከኣ፡ ኣባሻውል ኣንጻር ጎዳይፍ፡ ማእከል ከተማ ኣንጻር ሰረጀቓ፡ ከምኡ’ውን ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ኣባሻውል ኣንጻር ጎዳይፍ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ክልቲኡ ስታድዩም ብዝካየድ ጸወታ ክቕጽል ምዃኑ ህዝባዊ ርክባት እቲ ውድድር ሓቢራ።
Contribution Ministry of Information Eritrea.
Leave a Reply