ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲስክ ኤርትራ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኣንጠልጢላ

ኣብ ካሊ – ኮሎምብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፡ ኤርትራ ክልተ መዳልያታት ዓቲራ። ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ ውድድር፡ ኤርትራውያን ኣትለታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን ካልኣይን ሳልሳይን ብምውጻእ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ተሸሊሞም። ኣብ’ቲ ውድድር፡ ኢትዮጵያዊ ኣዲሱ ይሁነ ብ14 ደቒቕን 3 ካልኢትን 5 ንኡስ ካልኢትን ቀዳማይ ክኣቱ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ኣትለታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን ብቐደም ተኸተል ብ14፡03.33 ከምኡ’ውን 14፡ 03.67 ካልኣይን ሳልሳይን ብምውጻእ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቦም። ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣትለት ኣትለት መርሃዊ መብራህቱ፡ ዘመዝገቦ ሰዓት ናይዚ ዓመት ናይ 5 ሽሕ ሜተር ዝቐልጠፈ ሰዓት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት’ውን ሃገራዊ ክብረወሰን ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ። ምስ ክለብ ዞባ ዓንሰባ ተጠርኒፉ ናይ ውሽጢ ሃገር ውድድራቱ ዘካይድ ኣትለት ሃብቶም ሳሙኤል፡ ዝሓለፈ ዓመት ኬንያ ኣብ ዘአንገደቶ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ 3000 ሜተር ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ኮይኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እዚ ኣትለት ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ናይ 3000 ሜተር ውድድር ይጽበዮ ከም ዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ኤርትራውያን ኣትለታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን ካብ 15 ክሳብ 24 ሓምለ ኣብ ኦሬጎን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ብተኸታታሊ ኣብ ውድድር 5 ሽሕ ሜተርን 10 ሽሕ ሜተርን ንሃገሮም ወኪሎም ከም ዝተወዳደሩ ይዝከር። ድሕሪ’ዚ ውድድር ብቐጥታ ናብ ኮሎምብያ ብምኻድ’ዮም ከኣ ነዚ ታሪኻዊ ዓወት ዘመዝግቡ ዘለዉ። ብመንጽሩ፡ ናይ ዝሓለፈት ዓመት ተዓዋቲት 5 ሽሕ ሜትሮ ዝኾነት ኬንያ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ፖድዮም ክትድይብ ኣይከኣለትን። እዛ ዝሓለፈ ዓመት ብበንሶን ኪፕላንጋት ዝተባህለ ኣትለት ወርቂ ዓቲራ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ብቕድሚ ትማሊ ግና፡ ኣትለታታ ሻዱሻይን ሻሙናይን ደረጃ ክሕዙ እዮም ተቐሲቦም። ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፡ ካብ 1 ክሳብ 6 ነሓሰ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

Contribution: Ministry of Information Eritrea.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

© 2023 Omnipress Magazine

%d bloggers like this: