ብዓርቢ 24 ሰነ ብናይ ግዜ ናይ ውልቂ ውድድር ዝፈለመ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድራት ተዛዚሙ። 171.7 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነን ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ውድድር፡ ኣባል ኣሜሪካዊት ክለብ ‘ኢኤፍ ኢዱኬሽን’ – ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ብሉጽ ጸወታ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት፡ ዘውዲ ሻምፕዮን ደፊኡ።
ኣብ’ዚ ውድድር፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካልኣይ ተርታ ክሕዝ ከሎ፡ ኣባል ክለብ ኤሪቴል ንያት ርእሶም ድማ ሳልሳይ ብምዃን ነሓስ ሜዳልያ ተሸሊሙ።
በዚ መሰረት፡ ንያት ርእሶም ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ሻምፕዮን 2022 ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ክለብ ኣስቤኮ ሚልክያስ ቅዱስን ሳምሶም ሃብተን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም።ብዓርቢ 24 ሰነ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ዝኾነ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሻምፕዮን ኤርትራ ምዃኑ ኣብ ጋንታኡ ይኹን ኣብ ዝመጽእ ውድድራቱ ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎ ገሊጹ።
ጓል 19 ዓመት ሞናሊዛ፡ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን’ያ ሻምፕዮን ኮይና።

ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ናይ ጁኒየር ውድድር፡ መትከል ገብረንጉስ ካብ ሰምበል፡ ዳኒኤል ቴድሮስ ካብ ኣስቤኮ፡ ከምኡ’ውን ሮቤል ሃይለማርያም ካብ ደንደን ብቐደም-ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክወጹ ከለዉ፡ ሩምና ጉዕሽ ናይ ዓራግ፡ ራሄል ዘርእሰናይ ናይ ደንደንን ራሄል ነጋሽ ናይ ሰራይር ሳዋን ከኣ ካብ ደቂኣንስትዮ ተዓዊተን።ኣብ መወዳእታ ዕዉታት፡ ዝተዳለወሎም ናይ ዋንጫ፡ መዳልያን ገንዘብን ሽልማት፡ ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ተቐቢሎም።ብ24 ሰነ ኣብ ከባቢ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ተቐዳዳማይ በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርሼ ቢንያም ግርማይ፡ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
Contributions from Ministry of Information.
Leave a Reply