ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ዑደት ኣካዪዱ

ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ፡ ኣብ ዞባታት ይካየድ ንዘሎ ንጥፈታት ህጻናት ግራስ ሩት (grass roots) ንምዕዛብ ከምኡ እውን ናይ ስራሕ ርክብ ንምክያድ ብ30 ሚያዝያ 2022 ኣብ ከተማ መንደፈራ ዑደት ኣካዪዱ። እቲ ብፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ደቡብ እናተወሃሃደ ብኽልተ ኣለይቲ መምህራን ዝካየድ ዘሎ ስልጠና፡ ኣብ መሰረታዊ ኣፍልጦ ኵዕሶ መርበብ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ንተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ክሊ ዕድመ 12ን 13ን ኣብ ክልቲኡ ጾታ ብምስታፍ ክሳብ 50 ዝበጽሑ ህጻናት ዝሓቖፈ እዩ። ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ኣቝጺሩ ዘሎ እቲ ማእከል ምስልጣን ግራስ ሩት፡ ኪኖ ኣብታ ከተማ ብተመሳሳሊ ኣብ ሸውዓተ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ደቡብ እውን ይካየድ ምህላዉ ይሕበር።

ብዘይካ’ዚ፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ምስ ኣባላት ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ ናይቲ ዞባ ናይ ስራሕ ርክብ ኣካዪዱ ነይሩ። ንሓፈሻዊ ንጥፈታት እቲ ዞባ፡ ዝርገሐን ምቕርሐን ሓገዛት ኣብ ንኡሳን ዞባታት፡ ኩነታት መዳያት ንጥፈታት ግራስ ሩት፡ ኣብቲ ዞባ ክስርሓሉ ዘይጸንሐ ኵዕሶ መርበብ ገማግም ባሕሪ ንምትእትታውን ካልእን ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ መርበብ ዞባ ደቡብ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘካየዶ ውድድራት፡ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ውጽኢት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እውን ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ ውጥን ከምዘሎ ኣነጺሩ። ኣብ ምዝዛም ናይቲ ርክብ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ኣቶ ሚካኤል ተኽለሚካኤል ኣብ ዘሰመዖ ቃል፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ንዘሎ ጸጋታት ልዑል ኣተኵሮ ተዋሂቡሉ ተካእቲ መንእሰያት ክፈርዩ፡ ምትብባዕን ቀጻልነትን ዘለዎ ውድድራት ክካየድ ከምኡ እውን መደብ ግራስ ሩት ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

Article written by MOI Eritrea.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

© 2023 Omnipress Magazine

%d bloggers like this: