ኤርትራዊ ብንያም ግርማይ – እቲ ኮኾብ ዓለም!!

ንኹላ ተቐዳዳማይ ረሸሽ ዘበለ እዩ ነይሩ ናይ ሎሚ ዓስራይ መድረኽ። እዚ ንኹሉ ዓይነታት ቅርጸ መሬት ዘጠቓልል ውድድር ካብ ዝሓለፈ ትሽዓተ መድረኻት እቲ ዝጸንከረ ክኸውን ምዃኑ ብንያም ግርማይ ቅድሚ ውድድር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ ነይሩ።”ሎሚ ወይ ናባኻ ወይ ናብ ቫንደር ፖየል እያ ትመስል ዘላ?” ዝብል ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ። ከም ካልኦት ተቐዳደምቲ ኣይተጃህረን፡ ኣይሃደደን – “ክንርእዮ ኢና” ጥራይ ኢሉ ተመቕሊሉ። ከዛርብዎ ብዙሕ እንተፈተኑ’ውን ” እወ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣለኹ፡ ክንርእዮ ኢና።” መልሱ ንሳ ኮነት።ሎሚ ተቐዳደምቲ ጋንታ ኢንተርማሸ ጎበርትስ ልዕሊ ካልኦት መዓልታት ዝሓሸ ውህደት ዝነበሮም ይመስሉ።

ንዝሃደመ ተቐዳዳማይ ኣብ ምርካብ፡ ብንያም ንፋስ ከይሃርሞ ኣብ ማእከል ኣእትዮም ጉልባብ ኣብ ምግባር፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ቅጽበታዊ ውድድር መገዲ ኣብ ምጽራግን ካልእን ዘርኣዩዎ ጸወታ ይበል ዘብል ነይሩ።ብኡ መሰረት ከባቢ 10 ኪ.ሜተር ምስ ተረፈ ዓይኒ’ታ ጋንታ ዝኾነ ብንያም ዳንግኡ ክስሕል ክጅምር ነይሩዎ። ካብቶም ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝኾኑ ማርክ ካቫንድሽ፡ ደማረ ኣርኖልድን ኢዋን ካሌብን ንዞሎ ጂያኮሞን ኣብቲ በዳሂ ውድድር ተኻኢሎም ምንባሮም ኩነታቶም ይምስከር ነይሩ። እቲ ኮሜንታተር ክገልጾ ከም ዝወዓለ ከኣ እቶም ክሳብ መጨረሻ ምስ ምሉእ ሓይሎም ዝነበሩ ቮሎቺስታታት ኤርትራዊ ብንያም ግርማይን ኔዘርላንዳዊ ቫን ደር ፖየልን እዮም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ብንያም ካብ መቐናቕንቱ ዝበዝሐ ነጥቢ ኣብ ዘዋህለለሉ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ መንጎ ዝግበርን ኣብ ናይ መወዳእታን ቅጽበታዊ ውድድር ንቫንደር ፖየል ረቲዕዎ ብምንባሩ፡ ሎሚ እቲ ኔዘርላንዳዊ ተቐዳዳማይ ውድድር ክፍጸም ሓሙሽተ ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ክሃድም ፈቲኑ ነይሩ።

እንተኾነ ኣይለቐቖን። ክሳብ መወዳእታ ቮላታ ጸኒሑ ዕድሉ ክርኢ ድማ ተቐሰበ።ናይ ብንያም እቲ ብዙሓት ቮለቺስታታት ክገጥምዎ ዘይከኣሉ ብቕዓቱ፡ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ብልዑል ናህሪ እናተሓምበበ ሕንጻጽ ክረግጽ ምኽኣሉ እዩ። በዚ ከኣ ኣማኢት ሜትሮታት ምስ ተረፈ ቫንደር ፖየል ሮታ ናይ ብንያም ክሕዝ ነይሩዎ። እንተኾነ እቲ ፍሉይ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ቅዲ ሒዙ ዘሎ ብንያም ካብ ነዊሕ ካብ ምጅማር ኣይተዓግተን። ሓፍ ምስ በለ፡ ቫንደር ፖየል’ውን ሓፍ ኢሉ። እንተኾነ ከርክቦ ኣይከኣለን። ብንያም ቀዲሙ ሕንጻጽ ረጊጹ!! ንኤርትራን መላእ ኣፍሪቃን ዓወቱ ኣበሲሩ!!! ኤርትራዊ ብንያም ግርማይ ኣብ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ዝጨበጠ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ንዕኡን ንሃገሩን ኣህጉሩን ታሪኽ ሰኒዱ!!!

credit Samson Haile

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

© 2023 Omnipress Magazine

%d bloggers like this: