ኤርትራውያን ኣትለታት ብርሃነ ጸጋይን ሄኖክ ተስፋይን ኣብ ኮፐንሄገን ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ውድድሮም ፈጺሞም። ኣብቲ 42.2 ኪሎሜተር ዝርሕቀቱ ውድድር፡ ብርሃነ፡ ብ2 ሰዓት፡ 8 ደቒቕን 23 ካልኢትን ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምብጻሕ ኣንጸባራቒ ዓወት ከመዝግብ እንከሎ፡ ሄኖክ ድማ ብ2 ሰዓት፡ 8 ደቒቕን 39 ካልኢትን ውድድሩ ብምፍጻሙ እዩ ስሙ ክዅልዕ በቒዑ። ኣብ ምቹእ ክሊማ ዝተሰላሰለ ውድድር ማራቶን ኮፐንሄገን፡ ኬንያዊ ዳንኤል ኪፕቹማ ብ2 ሰዓት፡ 8 ደቒቕን 55 ካልኢትን ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኤርትራዊ ሳሙኤል ርእሶም ድማ ብ2 ሰዓት፡ 9 ደቒቕን 36 ካልኢትን ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ።

ብርሃነ፡ ንሓሙሽተ ኪሎሜተር ናይቲ ውድድር ማራቶን ብ15 ደቒቕን 20 ካልኢትን ክፍጽሞ እንከሎ፡ ንፍርቂ (21.97 ኪሎሜተር) ከኣ ብሰዓትን 3 ደቒቕን 29 ካልኢትን ዓሚምዎ። ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ውድድራት ኣትለቲክስ (ካብ 10,000 ሜተር ክሳብ ማራቶን) ዝተሳተፈ ብርሃነ፡ ዝበለጸ ግዚኡ ኣብ ማራቶን 2፡12፡25 ብምሓዝ እዩ ናብ ዴንማርክ ኣቕኒዑ። በዚ ናይ ትማሊ ዓወት ድማ ብውልቁ ንዝሓዞ ግዜ ከምኡ እውን ክብረ-ወሰን ግዜ ናይቲ ቦታ ብምምሕያሽ ታሪኽ ሰኒዱ ይርከብ። ኬንያዊ ጃክሰን ሊሞ ኣብ 2019 ዘመዝገቦ ናይ 2፡09፡54 ክብረ-ወሰን ውድድር ማራቶን ኮፐንሄገን፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንመበል 43 ግዚኡ ኣብ ዝተሰላሰለ፡ ብርሃነ ብዘመዝገቦ 2፡08፡23 ግዜ ተተኪኡ ኣሎ።
Leave a Reply